ክእለት ርክብ (communication) ኣብ ግዜ ሕርቃን

Home Forums ክእለት ርክብ (communication) ኣብ ግዜ ሕርቃን

  • This topic is empty.
Viewing 1 post (of 1 total)
  • Author
    Posts
  • #183

    ምርኻብ ምስደቅና ሓደ ካብቲ ኣብ ምንባይ ሓጋዚ ጥራይ ዘይኮነስ ዋና ረቃሒ ናይ ዓወት ምንባና ምኻኑ ክንግንዘብ ኣገዳሲ እዩ። ኣገዳሲ ኾይኑ ክበቅዕ  ኣብ ገሊኡ ኩነታት ግን ጎዳኢ ክኸውን ከምዝኽእል ምፍላጥ  የድሊ።

    ምርኻብ ሓበረታ ወይ ትሕዝቶ ጥራይ ኣይኮነን ዘመሓላልፍ ስምዒት እውን የስግር እዩ።  ቆልዑት ረቀቅቲ ፍጥረት ብሙኻኖም ገሊኡ ዓይነት  ርክብ ክጎድኦም ይኽእል እዩ። ብሕልፊ ምሕዝነትና ምስደቅና  ካብቲ ብቀሊል ናይ ምርኻብ ገጋታት ክትንከፍ ዝኽእል ነጥቢ እዩ። ኣብ ግዜ ሕርቃን  እትፍንዎ መልእኽቲ  ከምቲ  እትደልዩ ኣይበጽሕን እዩ።

    ሰብ  ኣብ ግዜ ሕርቃን ካብ ምርኻብ ክቁጠብ እቲ ዝበለጸ ነገር እዩ። ወላዲ ክሳብ ዝዝሕል  ምስ ደቁ ርክብ ከቃርጽ እቲ ዝሓሸ እዩ። ካብ ሕርቃን ናብ ንቡር ስምዒት ንኽንምለስ ብዉሑድ ክሳብ ርብዒ ስዓት  ይወስድ።  ዘይኣውንታዊ ስምዒት ከነጉድል ድማ ዝተፈላለዩ ተክኒካት ክንጥቀም ንኽእል።

Viewing 1 post (of 1 total)
  • You must be logged in to reply to this topic.